Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይጄሪያ “ብሉፅ መገዲ ኣየር” ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይጄሪያ “ብሉፅ መገዲ ኣየር” ተባሂሉ።

ኣብ መዛዘሚ ኤክስፖ ብሉፃት ናይጀሪያ ንትካላት ኣብ ዝተውሃበ ኣፍልጦ፥ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሉፅ መገዲ ኣየር ብዝብል ዓለም ለኸ ሽልማት ተዓዋቲ ኮይኑ።

መካየዲት ስራሕ መሸጣን ትራፊክን እቲ መገዲ ኣየር ሰናይት ኣታኽልቲ፥ ነቲ ሽልማት ካብ ኢድ ኣምባሳደራት ቶቤጎን ጃማይካን ተቐቢለንኦ።

እቲ መገዲ ኣየር ንዝተውሃቦ ናይ ኣገልግሎት ኣፍልጦ እውን ምጋና ኣቕሪበን፡፡

ዝሓለፈ ዓመት ፈታኒ ከምዝነበረ ዝገለፃ ሳናይት ኣታኽልቲ፥ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እቲ ፈተና ንምሕላፍ ናይ ፅዕነት ኣገልግሎት ብመሃብ መፃኢ ዕድሉ ብሩህ ምግባሩ ኣገንዚበን።

ኢትዮጵያ ፋውንዴሽን፣ ውድብ ጥዕና ዓለምንለገስቲ ሃገራትን ንኣፍሪካ ዘሃበኦ ኣቑሑት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ብዕዉት ኩነታት ምክፍፋል ከምዝኸኣለት ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.