Fana: At a Speed of Life!

መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ንምክልኻል ስትራቴጂክ ትልምታት ብግቡእ ክትግበር ኣለዎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ንምክልኻል ስትራቴጂክ ትልምታት ብግቡእ ክትግበር ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ኮከስ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን፣ ከምኡ ውን ምስ ሚንስቴር ፍትሕን ትካል ዓለም ለኽ ደቂ ኣንስትዮ ብምትሕብባር ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝፍፀም መጥቃዕቲ ንምክልኻል ኣብ ዝተዳለወ ብሔራዊ ስትራቴጂ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ዘትዩ።

ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ንምክልኻል ዘኽእሉ ሕገ መንግስቲ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሕግታት፤ ፖሊሲታት፣ ዓለም ለኸ ስምምዓትን ስትራቴጂክ ትልሚታትን ዋላ እኳ እንተሃለውዋ እቶም ፀገማት ክቐርፉ ዘይምኽኣሎም ኣብቲ ዘተ ተገሊፁ።

ነዚ ድማ ኣብ ዝወፁ ስትራቴጂክ ትልምታት ኣብ ተፈፃምነት ስጡም ክትትል ክግበር ከምዝግባእ ተሳተፍቲ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ስትራቴጂክ ትልሚ ግደ ትካላት ሃይማኖት፣ ሚዲያ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ ዝተፋላለዩ ኣድለይቲ ማሕበራዊን ባህላዊን ፀጋታት ብዕቱብ ክረአ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ኣብ ቀፃሊ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኩሎም ትካላት ዝገብሮ ስርዓት ክትትልን ቁፅፅርን ተፈፃምነቱ ብስጡም ከም ዝከታተሎን ብውህደት ከምዝስርሖን ምግላፁ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የመላኽት።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.