Fana: At a Speed of Life!

መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ንምክልኻል ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ሚኒስቴር መናእሰይ፣ ደቂኣንስትዮን ህፃናትን፣ ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስነ-ህዝቢ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ንምክልኻል ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሞም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ፌርማ ዝተረኸባ ሚኒስትር መናእሰይ፣ ደቂኣንስትዮን ህፃናትን ወይዘሮ ፊልሰን ኣብዱላሂ፥ መንግስቲ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዘይዕገስ መምርሒ ብምኽታል ዓበይቲ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪበን።

ፆታዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ምላሽ ንመሃብን ብግቡእ ዝሰልጠኑን ፍሉይ ዓቕሚን ክእለትን ዘለዎ ሓይሊ ፖሊስ ከምዘድሊ ገሊፀን፡፡

እተን ሚኒስትር ከምዝገለፀኦ፥ ካብ ትካል ስነ-ህዝቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኤንኤፍፒኤ) ዝተረኸበ ሓገዝ ብር 5 ሚሊየን መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝከላኸል ግብረ ሓይሊ ፖሊስ ብምስልጣን ናብ ስራሕ ናይ ምእታው ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሀን።

ስራሕቲ ምጥያሽ እቲ ግብረ ሓይሊ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ካልኦት ክልላት ከምዝሰፍሕ እውን ገሊፀን፡፡

ሓላፊ ዘፈር ምርመራ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ጀነራል ዘላለም መንግስቴ ብግደኦም፥ ፖሊስ ኢትዮጵያ ካብ ሞንጎ ዝፈረመቶም ዓለም ለኸ ስምምዓትን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ደምቢታትን መምርሒታትን ብምብጋስ እንትስልጥን፤ ኣብምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ግቡእ ሓለዋ ንምግባር ከምዝሕግዝ ተዛሪቦም፡፡

ነዚ ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ከምዚ ዝበሉ ምውዳዳት ኣድለይቲ ከምዝኸኑ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ፖሊስ ፌዴራል ኣድላዪ ኣገልግሎት ንምሃብ ድሉው ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

ምክትል ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል መስፍን ኣበበ፥ ፖሊስ ንሕብረተሰብ ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ንምሕላው ሓላፍነት ወሲዱ እናሰርሐ ይኹ እምበር ዘለዉ ከም በጀትን ስልጠናን ዝበሉ ክፍተታት ንምምላእ መሓዙት ትካላት ነቲ ትካል ንምሕጋዝ ኣብ ጎኑ ብምዃኖም ክምስገኑ ይግባእ ምባሎም ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.