Fana: At a Speed of Life!

ሙስሊም ሕብረተሰብ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሉ ብዝበለፀ ከጠናኽር ይግባእ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ሙስሊም ሕብረተሰብ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሉ ብዝበለፀ ከጠናኽር ይግባእ” ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓቲቶም።

አይተ ጌታቸው ረዳ÷ መበል 1 ሺሕን 444 በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ (ዓረፋ) ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን÷ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ÷ “ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ንምሕጋዝ እናገበርኩምዎ ትርከቡ ሰናይ ተግባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ” ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ሓላፊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ ሓጂ ኣደም ኣብዱልቃድር ብግደኦም÷ “ብዝተፈጠረ ሰላም እቲ በዓል ተረጋጊእና ክነኽብር ክኢልና” ክብሉ ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.