Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ሕርሻ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል ልዕሊ 394 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሕርሻ ምስ መሓዙት ልምዓት ብምዃን ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል ልዕሊ 394 ሚሊየን ብር ሓገዝ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓገዝ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ ሶማሌን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ደቡብን ብምኽንያት ድረቂ ንዝተመዛበሉ ወገናት ዝውዕል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ ፍቅሩ ረጋሳ እቲ ሓገዝ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ንሰለስተ ዓማውቲ ብድርቂ ዝተጎድኡ ከባቢታት ሰበኽሳግም ብምክትታል ሓገዝ ዓይነትን ገንዘብን እናበገረ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ ሶማሌን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ደቡብ ብምኽንያት ድርቂ ንዝተመዛበሉ ወገናት ብባንኪ ዓለምንሕብረት ኣውሮፓ ብዝድገፉ ፕሮጀክታት ኣቢሉ ልዕሊ 394 ሚሊየን ብር ሓገዝ ክዝተገበረ ፀሪሖም፡፡

ጉጅለ ሰብ ሞያ እቲ ትካል ድርቂ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት ብምክትታል ዘቕረቦ ፀብፃብ መሰረት ብምግባር፥ ንመኖ እንስሳት፣ መድሓኒትን መግዝኢ ዝራእቲ መኖ እንስሳትን ዝውዕል ሓገዝ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.