Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ማይ፣ መሰኖን ኢነርጂን ኣብ ኣመሓራ ክልል ብግብረ ራዕዲ ህወሓት መጥቃዕዲ ንዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መፀገኒ ዝውዕል 20 ሚሊየን ብር ድጋፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ማይ፣ መሰኖን ኢነርጂን ኣብ ኣመሓራ ክልል ብግብረ ራዕዲ ህወሓት መጥቃዕዲ ንዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መፀገኒ ዝውዕል 20 ሚሊየን ብር ድጋፍ ገይሩ።

እቲ ድጋፍ ነቲ ክልል ርእሰ ምምሕዳር ኣገኘሁ ተሻገር ዘረከበ እንትኸውን፥ ሚኒስትር ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ በቲ ወረራ ንዤጋታት ንማይን ሓይሊን ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ዓኒዮም ኢዮም፤ በዚ እውን ዜጋታት ፀገም ኣጋጢሙዎም ኢሎም።

ስለ ዝኾነ ሕፁፅ ምላሽ ምሃብ ኣድላዪ ብምዃን እቲ ሓገዝ ከምዝተገበረ ተዛረቦም።

ኣብ ፅገና እቶም መሰረተ ልምዓታት ነፃ ዝወፅኡ ከባቢታት ቅድሚያ  ከምዝወሃቡ እውን ሓቢሮም።

ርእሰ ምምሕዳር ኣገኘሁ ተሻገር ብግደኦም፥ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ድጋፍ ፍሉይ ትርጉም ከምዝወሃቦ ተዛሪቦም።

ኣብ ከተማታት ዝነበሩ ትካላት ማይ ብምዝራፎምን ብምኽኒያት ተፈናቐልቲ ተወሳኺ ፅዕንቶ ብምፍጣሩን ነበርቲ ንፀገም ፅሩይ ማይ ምቅልዖም ሓቢሮም ክብል ኢቢሲ ዘጊቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.