Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ምክልኻል መንግስቲ ወኪሎም ኣብ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ንዝተሳተፉ ኣካላት ኣፍልጦን ሽልማትን ኣብርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ምክልኻል ንመንግስቲ ወኪሎም ኣብ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ዝተኻደየደ ስምምዕ ሰላም ንዝተሳተፉ ኣካላት ኣፍልጦን ሽልማትን ኣብርኪቱ።

እቲ ስነ-ስርዓት ኣፍልጦን ሽልማትን÷ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ዶክተር ኣብርሃም በላይ፣ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ጦር ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ላዕለዎት መኮንናትን፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብ ዝተረኸብሉ ተኻይዱ፡፡

ዶክተር ኣብርሃም ኣብቲ እዋን÷ ንመንግስትቲ ወኪሎም ኣብ ከይዲ ዘተ ሰላም ዝተሳተፉ ኣካላት ሉኣላውነትን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያን ብዘሐለወን ብዝሓፀረን መልክዑ ንኽዛዘም ልዑል እጃም ከምዘበርከቱ ተዛሪቦም፡፡

“እቲ ስምምዕ ሰላም ብዓወት ንኽዛዘም ንመላእ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ኣብቲ ናይ ጎንፂ ከባቢ ዝነብሩ ዜጋታት ተስፋ ዝሃበ ከምዝኾነ፤ እቲ ዓወት ንኽርከብ ልዑል እጃም ዝተዋፅኡ ኣካላት ድማ ምስጋና ይግበኦም” ኢሎም፡፡

መንግስቲ ንተግባራዊነትን ዘላቕነትን እቲ ስምምዕ ሰላም ቆራፅ ከምዝኾነ ዘረጋገፁ እቶም ሚኒስትር÷ ኮይኑ ግና እቲ ስምምዕ ሰላም ተግባራዊ ንከይኸውን ዝሰርሑ ናይ ጎንፂ ነጋዶ ከምዘለዉ ጠቒሶም፡፡

እዞም ኣካላት ካብ ተግባሮም ክዕቀቡ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ጦር ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብግደኦም፥ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሃገሩ ዝፈቱን ሰላም ዘቐድምን ጅግና ሰራዊት ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ስምምዕ ሰላም ብፅቡቕ ኩነታት ተኻይዱ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ዝተበፅሐ ብምዃኑ÷ ንተግባራዊነቱ ቆራፃት ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ኣባል ዓቢይ ኮሚቴ ኣማራፂ ሰላም ዝኾኑ ኣምባሳደር ሓሰን ዓብዱልቃድር÷ ኢትዮጵያ ኩሉግዘ ደላዪት ሰላም ሃገር ከምዝኾነት ጠቒሶም።

“መንግስቲ እውን እዚ ፅኑዕ መትከል ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ኣርእዩ እዩ” ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.