Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ምስ ሚኒስቴር ምክልኻል ዩጋንዳ ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ምስ ሚኒስቴር ምክልኻል ዩጋንዳ ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ።

ሚኒስትር ምክልኻል ዩጋንዳ ቪሴንት ባሙላንጋኪ ሴምፒጅን  ኢታማዦር ሹም እታ ሃገር ጀኔራል ዊልሰን ዕምባሱ ዕምባዲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ብሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር፣ ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጄኔራል ኣበባው ታደሰን ካልኦት ጀነራላት መኮንናትን ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ሚኒስትር ምክልኻል ክልቲአን ሃገራት ከልቲኣዊ ሰነድ ስምምዕነት ከቲሞም።

ኢታማዦር ሹማት እተን ሃገራት ነቲ ሰነድ ስምምዕነት ንምፍፃም ኣብ ዘኽእል ዝርዝር ትልሚ ኣብ ዝሓዘ ሰነድ ክታሞም ኣንቢሮም።

ኣብርሀም በላይ (ዶ/ር)፥ እቲ ስምምዕነት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር ገሊፆም።

ኣብ ልውውጥ ሓበሬታ፣ ህንፀት ወተሃደራዊ ዓቕሚ፣ ቀጣናዊን ተዛመድቲ ጉዳያትን ብሓባር ንምስራሕ ምኽታመን ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.