Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ምን ትልሚ በጀት ዓመተ 2013 ኣድሂቡ ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ምን ትልሚ በጀት ዓመተ 2013 ኣድሂቡ ይዛተ ኣሎ።

ዓመተ 2012 ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ልዑል ተግባራት ስራሕቲ ለውጢ ዝተገበረሉ ዓመት ከምዝነበረ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ዩኒቨርሲቲታት ብልኡኽቶን ትኹረትን ናይ ምፍላይ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑን ንቐዳማይ ዓመት ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ተዳሊዮም ተግባራዊ ዝተገበሩ ሓበራዊ ኮርስታት ካብ ዕዉታት ስራሕቱ ዝፅራሕ ከምዝኾነ ኣብቲ ዘተ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዘተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ሚኒስቴር፣ ዳይሬክተራትን ተወከልቲ ክፍሊታት ስራሕን ምርካቦም ካብ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.