Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝዓነዉ ኣቢያተ ትምህርቲ ንምጥያሽ ሓገዝ 100 ሚሊየን ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝዓነዉ ኣቢያተ ትምህርቲ መሊስካ ንምጥያሽ ሚኒስቴር ትምህርቲ 100 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ኣብቲ ክልል ብዝፈፀሞ ወራር ልዕሊ 2 ሺሕን 950 ኣቢያተ ትምህርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓነዉ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ዶክተር ይልቃል ከፋለ ገሊፆም።

በቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ድማ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንኽርሕቑ ተገዲዶም ኢዮም ኢሎም፡፡

ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ህፃናት ኣብ ወርሒ መስከረም ህፃናት ከይመሃሩ ከምዝገበረ ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ወለዶም ዝሰኣኑን ዝተጎድኡዎምን ህፃናት ምህላዎምን ድማ እቲ ፀገም ዝኸፍአ ገይሩዎ ኢዩ ኢሎም፡፡

እቲ ፀገም ካብ መሰረቱ ንምፍታሕን ምቅላልን ኣድላዪ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ብስሩዕ ካብ ዝግበር ሓገዝ ብተወሳኺ እተን ኣቢያተ ትምህርቲ ንምፅጋን 100 ሚሊየን ብር ሓገዝ ተገይሩ ኣሎ ምባሎም ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.