Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ዲፒ ወርልድን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ዲፒ ወርልድን ብሓባር ንምስራሕ ኽእሎም ሰነድ መረዳድኢ ተፈራሪሞም።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት፥ ዲፒ ወርልድ ዝተብሃለ ኩባንያ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኮሪደር በረራ ንምልማዕ ኢንቨስትመንት 1 ቢሊየን ዶላር ክፍፅም ኢዩ ተባሂሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት መጓዓዓዚ ትራንስፖርት ዝተፈላለዩ መዋህለሊ መኻዚናት ንምስፍሕፋሕ ከምዝሰርሕ ተገሊፁ።

ንግዲ ወፃኢን ኣታዊን ንምቅልጣፍ ኣማራፂ ወደብ ጂቡቲ ንምዕባይ ከምዝሕግዝ ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ገሊፀን።

ኣብ ቀፃሊ እዋን ስርዓት ሎጂስቲክስ ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ብዕቱብ ከምዝስራሕ ምግላፁ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.