Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉዎም ጉዳያት ምኽከር ኣካይዶም።

ተወካሊት ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪን ዳይሬክተር ሪጂናል ቢሮ ኣውሬሊያ ፓርቲዚያ ካላብሮ፥ እቲ ትካል ምስቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ብምኽንያት ጎንፂ ጉድኣት ኣብ ዝበፅሖም ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝትግበር ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ዘረጋግፅ ፕሮጀክት ሓንፂፁ ናብ ተግባር ንምእታው እናተሰናደአ ምዃኑ ተዛሪበን፡፡

ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ ብግደአን፥ እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ዜጋታት ተረባሕቲ ዝገብሩ ስራሕቲ ልምዓትን ሓገዝን እናሳለጠ ስለዝኾነ ዘለወን ናእዳ ገሊፀን፡፡

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝገጠመን ስነ-ኣእምሮኣዊ ፀገም ተናጊፈን ናብ ንቡር ህይወት ንኽምለሳ ንምሕጋዝ ዝተጀመሩ ፃዕሪታት ብቐንዱ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሞም ንምድንፋዕ ስልጠናታት ፈጠራ ዕድል ስራሕ ከምዝተመቻቸወን ኣታዊ ዝርከበሎም ዓውዲታት ናይ ምስፋሕ ስራሕ እቲ ትካል ድጋፍ ከምዝገብር ዘለወን እምነት ገሊፀን፡፡

ኣብ ቀፃሊ ብዝስርሑ መደባት ብሓባር ንምስራሕ ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ኣብ ፀገም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ተረባሕቲ ኣብ ዝገብሩ ፕሮግራማት ብሓባር ብምስራሕ ኣብ ምርድዳእ ክዝተበፅሐ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.