Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጥዕናን ሚኒስቴር ሳይንስን ሰላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ብሓባር ንምስራሕ ትሰማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕናን ሚኒስቴር ሳይንስን ሰላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉዎም ጉዳያት ዘቲዮም።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፣ ሚኒስትር ሳይንስን ሰላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ኡርቃቶን ከምኡ እውን ኣመራርሓታት ክልቲኦም ሚኒስቴር ቤተ ዕዮታት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ እቲ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ቀፃሊ ክልቲኦም ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ብሓባር ብዝተጣየሸ ኮሚቴ ኣቢሎም ብዝተመረፁ ሓበራዊ ጉዳያት ተዋዲድካ ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም።

ብፍላይ ድማ ኣብ ዘፈር ጥዕናን ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም።

ፅሬት ስልጠና ትምህርቲ ጥዕና፣ ኣፍልጦ ላዕለዎት ትምህርቲን መጎልበቲ ስርዓት ተኸታታሊ ሞያ፣ መትግሂ ስርዓታት ዘፈር ጥዕና ሰብ ሞያታትን ሰራሕተኛታትን፣ ኣፈፃፅማ ፕሮግራማት መማሓየሺ ኣገልግሎት ሆስፒታላት ዩኒቨርሲቲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ማሕለኻታት ብትኹረት ንምፍታሕ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ኣድሂቦም እውን ተዛቲዮም።

ሓበራዊ ኮሚቴ ክልቲኦም ሚኒስቴር ኣቢያተ ዕዮ፥ በቢወርሑ እናተራኸበ ኣብ ስትራቴጂክ ጉዳያት ኣንፈት ብመሃብ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ንምጥንኻር ዝሰርሕ ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትራት ብሓባር ኣንፈት ምቕማጦም ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.