Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጥዕና ምስ “ፖሊሽ ሴንተር ፎር ኢንተርናሽናል ኤይድ” ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ሃንደበታዊ ሓደጋን ኣገልግሎት ፅኑዕ ሕክምናን ንምምሕያሽ ምስ “ፖሊሽ ሴንተር ፎር ኢንተርናሽናል ኤይድ” ብሓባር ንምስራሕ ንሰለስተ ዓመት ዝፀንሕ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

እቲ ስምምዕነት ንኣምቡላንስን ሕክምና ሃንደበታዊ ሓደጋን ዝውዕሉ እታወታት ምቕራብ፣ ንስልጠና ሰብ ሞያታት ሃንደበታዊ ሕክምናን ፓራሜዲክን፣ ኣገልግሎት ትካል ቅድመ ጥዕና ንምስላጥ ማእኸል ወፍሪንፃውዒትን ምጥንኻር፣ ንትራፊክን ብጅምላ ዝበፅሑን ሓደጋታት ምላሽ ኣወሃህባ ዘመሓይሹ መጎልበቲ ዓቕሚ ስልጠናታትን ከምዘካትት ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ እቲ ፕሮጀክት ሙሉእ ብሙሉእ ብመንግስቲ ፖላንድ ዝሕገዝ ከምዝኾነን ጥንኩር ስርዓት ጥና ንምህናፅ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክትን ገሊፀን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.