Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጥዕና 1 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ዘውፅእ መድሓኒት ሓገዝ ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮጀክት ትራንስፎርመር ኤች ዲ አር  ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ኢንተርናሽናል ሄልዝ ፓርትነር ብምትሕብባር ልዕሊ 1ነጥቢ 7 ሚሊዮን ዶላር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣፋውስ ሜቤንዳዞን ንሚኒስቴር ጥዕና ሓገዝ ገይሩ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ወይዘሮ ሳህረላ ኣብዱላሂ እቶም ኣፋውስ ኣብ ዝተረከባሉ እዋን ከምዝበለኦ፥ እቲ ሓገዝ ሚኒስቴር ጥዕና ጥዕና ሕብረተሰብ ንምምሕያሽ ከምኡ እውን ዝተለሞም ሽቶታት ንምዕት ዝጠቅም ኢዩ።

ንዝተገበረ ሓገዝ ድማ ብሽም እቲ ሚኒስቴር ኣመስጊነን፡፡

ቺፍ ኦፍ ፓርቲ ፕሮጀክት ትራንስፎርመር ኤች ዲ አር  ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ዶክተር ስንታየሁ ፀጋዬ ብግደኦም፥ እቲ ሓገዝ ጥዕና ህፃናትን ኣደታትን ንምምሕያሽን ካልአፐት ፕሮግራማት ንድጋፍን ከምዝውዕል ገሊፆም።

እቲ ሓገዝ ኣብ ትሽዓተ ክልላት ብፍላይ ድማ ኣብ ክልላት ቤንሻንጉል፣ ጋምቤላ፣ ዓፋርን ሶማሌን ከምዝበፅሕ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ተመሳሰልቲ ሓገዛት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ምዝራቦም ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.