Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ርኽክብ ስራሕ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምጥያሽ ሓዱሽ መንግስቲ  ሚኒስትር ትምህርቲ ኮይኖም ዝተሾሙ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ምስ ነበር ሚኒስትር ትምህርቲ ርኽክብ ስራሕ ገይሮም።

ነበር ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓታትን እቲ ቤት ዕዮ ነቶም ሓዱሽ ሚኒስትር ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡

ኣወዳድባ እቲ ሚኒስቴርን እናተሰርሑ ብዛዕባ ዝርከቡ ስራሕቲን ከምኡ እውን ኣብ ቀፃሊ ዝተሃቀኑ ትልሚታት ብዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ገለፃ ተገይሩሎም፡፡

ፕሮፌሰር ብርሃኑ ብግደኦም፥ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብልዑል ብርኪ ካብ ትፅበዮም ዓውዲታት ሓደ ከምዝኾነ ብምሕባር ትውልዲ ክቕይር ዝኽእል ስራሕ ንምስራሕ ዓቕሞም ዝፈቐዶ ከምዝገብሩ ገሊፆም ፡፡

ምስ ዘሎ ሰራሕተኛን ኣመራርሓን ብምዝታይ ስራሕቲ ከምዝሰርሑ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ንዝተገበረሎም ኣቀባብላ ኣመስጊኖም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.