ሚኒስትር ዴኤታ ሰመርታ ሰዋሰው ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲየን
ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመርታ ሰዋሰው ምስ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትሕብብር ኮሚሽን ኣውሮፓ ኣብ ኣፍሪካ ሳንድራ ክራመርን ዳይሬክተር ኣገልግሎት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኣፍሪካ ሪታ ላራ ኣብ ብራስለስ ተዛቲየን።
ኣብቲ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ሸነኽ ሰሜን ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዛዕባ ዘስራሕ ዘሎ ስራሕቲ ንቶም ኣመራርሓታት ኣብሪሀን።
ብመሰረት መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ጎንፂ ስዒቡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ንክምርመሩ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክበፅሕ፣ በቲ ጎንፂ ዝተጎድኡ ዜጋታት መሊስካ እግሪ ምትካል ብዝምልከት ዝስርሑ ዘሎዉ ስራሕቲ ከምኡውን ሃገራዊ ዘተ ዝበፅሖ ከይዲ ብዝምልከት ገለፃ ገይረን።
ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮረና፣ ድርቂን ናይሪ ዋጋ ዘመናዊ ዱኽዒን ስዒቡ ዝተፈጠሩ ገማት ከምዘብርሃ ተገሊፁ።
ነዞም ፀገማት ዘላቒ መፍትሒ ንምምፃእ መነግስቲ ኢትዮጵያ መስ ዝምልከቶም ኣካላት ልምዓት ብቕርበት ንምስራሕ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕብረት ኣውሮፓ ብግደኦም፥ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጎንፂ ስዒቡ መንግስቲ ዝወሰዶም ስጉምቲታት ምንኣዶም ኣብ ቤልጂም ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።