Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ሹመት ደብዳቤ ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ተቐቢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ሹመት ደብዳቤ ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ጀማል ኢል ሸኪ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም።

ኣይተ ገዱ ከምዝበልዎ፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘበናት ዘቑፀረን ብብዙሕ መገዲ ዝግለፅ ኣብ ሕውነት ዝተደረኸን ኢዩ።

ኢትዮጵያ ባህግን ዘላቒ ረብሓን ክልቲአን ሃገራት ብዝሓለወ መገዲ ንዘበናት ዝፀንሐ ርክብ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምሽግጋር ክትሰርሕ ኢያ ኢሎም።

ኣምባሳደር ጀማል ኢል ሸኪ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣሳልጦ ስርሖም ኣድላዪ ድጋፍ ከምዝገብረሎም ብምግላፅ ፅቡቕ ዘበን ስራሕ ንክኾነሎም እውን ሰናድ ድልየቶም ገሊፆም።

ኣምባሳደር ጀማል ኢል ሸኪ ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል ካልኣይ ግዜ ተሸይሞም ከምዝመፅኡ ኣዘኻኺሮም።

ዘበናት ዘቑፀረ ርክብ ባህሊ፣ ታሪክን ኣተሓሳስባን ዘለዎም ህዝብታት ብኣምባሳደርነት ንምግልጋል ብምምፅኦም ከምዝተሓጎሱ እውን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.