Fana: At a Speed of Life!

ማሕለኻታት ዓውዲ ትምህርቲ መፍትሒ ንመሃብ ብሙሉእ ተበግሶ ምስራሕ ይግባእ – ብርሃኑ ነጋ ( ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ጅግጅጋ እናተኻየደ ዝፀንሐ መበል 32 ሃገር ለኸ ጉባኤ ትምህርቲ ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ።

እቲ ጉባኤ ብዘዝተፈላለዩ ጉዳያት ብትኹረት ድሕሪ ምዝታይ ውሳነታት ብምሕላፍ ኢዩ ተዛዚሙ፡፡

ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዘለዉ ማሕለኻታት ንምፍታሕን ዘለዉ ጥንካረታት ክቕፅሉ ንምግባርን ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ በዓል 11 ነጥቢ ሓበራዊ መግለፂ ቅዋም ኣውፂኦም።

ንተግባራውነት እቶም ሓበራዊ ግንዛበታት ተሳተፍቲ ግደኦም ንኽዋፅኡ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)፥ ሓበራዊ ግንዛቤ ዝተትሓዘሎም ማሕለኻታት ዓውዲ ትምህርቲ ኣብ ሓፂር እዋን መፍትሒ ንመሃብ ብሙሉእ ተበግሶ ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣብ ምትግባር ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ዕንቅፋት ዝኾነ ሕፅረት መፃሕፍቲ ንምፍታሕን ተበፃሕነት ሓደ መፅሓፍ ንሓደ ተምሃራይ ንምዕዋትን እናተሰርሓ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ቀዳማይ ዙር ተሓቲሞም ንክልላት ዝተኸፋፈሉ መፃሕፍቲ፤ ብዝተኸኣለ ቅልጣፈ ንኽከፋፈሉ እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብመራኦል ከድር

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.