Fana: At a Speed of Life!

ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ 15 ኣባላት ዘለዉዎ መማኸርቲ  ኮሚቴ ኣጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ 15 ኣባላት ዘለዉዎ መማኸርቲ  ኮሚቴ ኣጣይሹ።

ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ እታ ከተማ ሎሚ መዓልቲ ምስ ግዚያዊ ምምኽዳር ክልል ትግራይ መድረኽ ዘተ ኣሳሊጦም።

ኣባቲ መድረኽ ድማ 15 ኣባላት ዘለዉዎ መማኸርቲ  ኮሚቴ ኣጣይሹ ኣሎ።

እቲ ኮሚቴ ፅባሕ ተኣኪቡ ናይባዕሉ ኣመራርሓ ክመርፅ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብቲ ዘተ፥ ብዋናነት ኣብታ ከተማ ዘለዉ ስራሕቲ ፀፅታን ምርግጋዓትን ኣብ ምጥንኻር ትኹረቱ ገይርኻ ንክስራሕ ሕቶ ኣቕሪቦም።

ብተመሳሳሊ ባንኪታት ዉልቀ ስረሐን ንክሥምራ ሓቲቶም።

ኣባቲ ክልል ምስ ዝነበረ ምኽባር ሕጊ ተተሓሒዙ ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ነባር ገንዘብ ምቕያር ብዘይምኽኣሉ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ነዚ ፀገም መፍትሒ ንክህቦም ሕቶ ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.