Fana: At a Speed of Life!

ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ዘሳተፈ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ዘሳተፈ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ተኻይዱ፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ ብዙሓት ኣባላት ድያስፖራ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተዳለወ ፓርኪ ዲያስፖራ ኢዩ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ መልእኽተን ዘመሓላለፋ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ወለዶ ክመሃርን ነዚ እዋን ክሓስብን ብምሕሳብ ዝተኻየደ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

ንዳያስፖራ መዘከርታ ንኽኾንን ኣካባቢ ንምልማዕን ምምሕዳር እታ ከተማ ፓርኪ ዲያስፖራ ከምዘዳለወ እውን ገሊፀን።

“ትርጉም እቲ ፓርክ ልዕሊ ልምዓት እዩ” ዝበላ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ተሳትፎ ሓምለዋይ ልምዓት ዳያስፖራ ከምዘበረታትዕ እውን ኣብሪሀን።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተሳተፉ ዳያስፖራታት ፃውዒት ሃገር ተቐቢሎም ኣሰሮም ንምንባር ምብቀዖም ፍሉይ ስምዒት ከምዝፈጥረሎም ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ተመሳሰልቲ ተሳትፎታት ብምጉላህ ሃገር ብኩሉመዳይ ንምድጋፍ ድሉዋት ከምዝኾኑ ካብ ፕረስ ሴክሬታርያት እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.