Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብር 20 ሚሊየን ሰሊዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብር 20 ሚሊየን ሰሊዑ።

ዋና ፀሓፊ እቲ ማሕበር ዶክተር መሸሻ ሸዋረጋ፥ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ምስ ፌዴሬሽናት ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሒን ከምኡ እውን ካልኦት ኣሓት ማሕበራት ብምዃን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ማሕበር፥ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብዝብል ብር 20 ሚሊየን ከምዝሰለዐ እውን ኣፍሊጦም።

ብመሰረት እዚ ድማ 5 ሺሕ መሸፈኒ ገፅ ማስክታት፣ 6 ሺሕ ሰርጂካል ጓንቲታት፣ 1 ሺሕን 500 ጫማታት፣ 1 ሺሕ መከላኸሊ ገፅ ፕላስቲክን 5 ሺሕ መፍለዪ ገዋናትን ንምግዛእ ከምዝተሃቀነ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ልዕሊ 500 ኣምቡላንሳት ኣድለይቲ ኣቑሑት ሕክምና ተማሊኡሎም ድሉዋት ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ፌዴራልን ክልልን ዝርከባ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ብምሕብባር እናሰርሐ ከምዝርከብ እቶም ዋና ፀሓፊ ገሊፆም።

እቲ ማሕበር ልዕሊ 4 ሺሕ ንዝኾኑ ካብ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ንዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያታት ስልጠና መዕበዪ ግንዛበ ምሃቡ እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.