Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ንግብረ ሓይሊ ምክልኻል ኮቪድ-19 ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ምስ ኮሚቴ ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀል ብምትሕብባር ምግቢ ተንከፍ ዝኾኑ እታወታት ንግብረ ሓይሊ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣረኪቡ።

ኣብ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቢ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብርሃም በላይ፥ እቲ ማሕበር ቅድሚ ሕዚ ሓገዝ ብምግባር ዘርኣዮ ምሕዝነት ሕዚ እውን ብድጋሚ ከምዘርኣየ ተዛሪቦም።

ዶክተር አብርሃም፥ ካልኦት ትካላት እውን ምስ ዓለም ለኸ መሓዙት ኣካላት ብምዃን ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንኽሕግዙ ፀዊዖም።

ፕሬዚዳንት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ዶክተር መሸሻ ሸዋረጋ ብግደኦም፥ እቲ ማሕበር ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝገብሮ ሓገዝ ኣደንፊዑ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ ሕብረሰብ ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ዘለዎ ግንዛበ እናዓበየ ዋላ እንተመፅአ ሕዚ እውን ዝረአ ዘሎ ምዝንጋዕ ምውጋድ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ፥ ሎሚ መዓልቲ 2 ሺሕነ 500 ፍራሽ፣ 2 ሺሕን 500 ኮቦርታ፣ 2 ሺሕን 500 ኣንሶላ፣ 2 ሺሕ 500 ተንቀሳቓሲ መደቀሲ ከረጢት፣ ከምኡ እውን ልዕሊ 20 ሺሕ ሳሙና፣ ኬሚካላት መናፅሂን ካልኦትን ኢዩ ኣበርኪቱ።

እቶም 500 ኮቦርታታት፣ 500 አንሶላታት፣ 500 ፍርናሻት፣ 4 ሺሕ ሳሙናታትን፣ 600 ኬሚካላት መናፅሂን ንመከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተበርከቱ ኢዮም።

እቲ ማሕበር ሎሚ መዓልቲ ዘበርከቶም ኣቑሑት ልዕሊ ብር 7 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዋጋ ዘለዎም ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.