Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ነጋዶ ኣንጋረ ልዕሊ ብር 4 ሚሊየን ዝግመት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ነጋዶ ኣንጋረ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ብዘቕረበኦ ፃውዒት ሓገዝ መሰረት ብምግባር ልዕሊ ብር 4 ሚሊየን ዝግመት ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ማሕበር ካብ ሓገዝ እንስሳት ብተወሳኺ 2 ሺሕ ሊትሮ ዘይቲ ብልዒ እውን ሓገዝ ገይሩ ኢዩ፡፡

እዚ ድማ ናብ ጥረ ገንዘብ እንትስላሕ ልዕሊ ብር ሚሊየን ከምዝኾነ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ መካየዲ ስራሕ ከተማ ኣይተ ጥራቱ በየነ ተረኪምዎ፡፡

ኣይተ ጥራቱ ነቲ ሓገዝ ኣብ ዝተረከቡሉ እዋን ከምዝበሉዎ፥ መንግስቲ ዝጀመሮ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተጠናኺሩ ንኽቕፅልን ሕብረተሰብ ዝኸኣሎ ንኽገብርን እናገበሮ ዘሎ ሓገዝ ንኽቕፅልን ፀዊዖም፡፡

ብፈቲያ ዓብደላ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.