Fana: At a Speed of Life!

ማንቼስተር ዩናይትድን ኢንተር ሚላንን ኣብ ጉዳይ ዝውውር ኦናና ኣብ ስምምዕ በፂሐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኩዕሾ እግሪ እንግሊዝ ማንቼስተር ዩናይትድን ካሜሩናዊ ሓላዊ ልዳት ኣንድሬ ኦናና ንምፍራም ኣብ ስምምዕ በፂሓ።

እታ ጋንታ÷ 47 ነጥቢ 2 ሚሊየን ፓውንድ ናይ ዝውውር ገንዘብ ንምኽፋል ኢያ ምስ ጣሊያናዊት ጋንታ ኢንተር ሚላን ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሐት ተገሊፁ ዘሎ።

ብቐጥታ 43 ነጥቢ 8 ሚሊየን ፓውንድ ንምኽፋል ዝተረፈ 3 ነጥቢ 4 ሚሊየን ፓውንድ ድማ ብቕዓትን ዓወትን እቲ ተፃዋታይ እናተርኣየ ንምኽፋል ከምዝተስማዕመዐት ማዕኸናት ዜና ስካይ ስፖርትን ቢቢሲን ፀብፂበን።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.