Fana: At a Speed of Life!

ማእኸል ምርምር ቴክኒክን ትምህርቲን ስልጠናን ምብራቕ ኣፍሪካ ክህነፅ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል ምርምር ቴክኒክን ትምህርቲን ስልጠናን ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ኮምቦልቻ ክህነፅ ኢዩ።

እቲ ማእኸል ምርምር ብ12 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዝህነፅ እንትኸውን፥ ነዚ ዝኸውን እምነ ኩርናዕ ሎሚ መዓልቲ ተነቢሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ኡርቃቶ ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ከልልን ተረኺቦም።

ዶክተር ሳሙኤል ኡርቃቶ፥ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ኮምቦልቻ ንቐፃሊ ተወዳዳሪን ብቑዕን ማእኸል ምርምር ንክኸውን መስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብቕርበት ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።

ማእኸል ምርምር ቴክኒክን ትምህርቲን ስልጠናን ምብራቕ ኣፍሪካ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ደገፍን ልቓሕን 12 ሚሊየንን 850 ሺሕን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝህነፅ ድማ ተገሊፁ።

ብይከበር ኣለሙ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.