Fana: At a Speed of Life!

ማዕረ ተጠቃምነትን ፍትሓውነትን ህዝቢ ትግራይ ንኽረጋገፅ ከምእንቃለስ ወሲና-ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)”ምርግጋፅ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ዝካየድ ዝነበረ መስራቲ ጉባኤ ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ ተዛዚሙ።

እቲ ኣብ ትግራይ ንፈለማ እዋን ዝተሳለጠ መስራቲ ጉባኤ 23 ማሕበራትን ሰለስተ ውድባት ፖለቲካን ዝተሳተፍሉ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኣባላት እቲ ፎረም ኣብ ዕላማን ዓንድታትን እቲ ፎረም ብዕምቆት ምምይያጦም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዋዕላ ኩሉ ነገር ትሕቲ ሃላዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ክኸውን ከምዝግባእ ብምርድዳእ ነዞም ዝስዕቡ ሓባራዊ ቅዋም ድማ ኣሕሊፎም።

1/ ሕገ መንግስትታት ፌደራልን ክልልን ብምኽባር ሕብረ ብሄራዊ ፌደራሊዝም ህያው ክኸውን ሕብረትና ኣጠናኺርና ብፅንዓት ክንቃለስ ኢና።

2/ ማዕረ ተጠቃምነትን ፍትሓውነትን ህዝቢ ትግራይ ንኽረጋገፅ ከምእንቃለስ ወሲና ኣለና።

3/ ብሄራውን ግዝኣታውን ሓድነት ትግራይ ብምጥንኻር ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ውሕስ ንክኸውን ብትረት ክንቃለስ ኢና።

4/ ምዕቡልን ስልጡንን ፖለቲካዊ ምህዳር ንህልወናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይን ንምዕብልቲ መፃኢት ትግራይ ወሳኒ ምዃኑ ብምእማን ንተግብራውነቱ ከምእንቃለስ ተስማዕሚዕና ኣለና።

5/ ህዝቢ ትግራይ ንምስኳን ብምሕላም ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዝመፅኡ ዘለዉ ውዲታት ንምምካን ሓድነትና ኣፅኒዕና ጠንኪርና ከምእንቃለሶም ቃል ንኣቱ።

6/ እቲ ፎረም ሕዚ እውን ተጠናኺሩ ንክቕፅል ብዝግባእ ኣሚንና ዝተስማዕማዕና እንትንኮን፥ ንመትከልን ዓንድታትን እቲ ፎረም ዝኣመኑ ፖለቲካውን ዘይፖለቲካውን ትካላትን ውዳበታትን ምሳና ብሓባር ንኽቃለሱ ኣፍደገና ክፉት ከምዝኸውን እውን ተስማዕሚዕና ኣለና፤ ዝብሉ መግለፂ ቅዋማት ኣቕሪቦም።

ብተመሳሳሊ ዜና መስራቲ ጉባኤ ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ፥ ኣብ መዛዘሚ ዋዕልኡ ነቲ ፎረም ብቐፃሊ ዝመርሑ 7 ኣባላት ፈፃሚ ስራሕ ፎረም ከምዝመረፀ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ፦

1. ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ – ኣቦ ወንበር እቲ ፈፃሚ ስራሕ – ካብ መንግስቲ ትግራይ

2. ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ – ምክትል ኣቦ ወንበር- ካብ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

3. መንእሰይ ሰናይ ከሓሰ – ፀሓፊ – ካብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ

4. ዶክተር ሶሎሞን ኪዳነ – ካብ ህወሓት

5. ዶክተር ከላሊ ኣድሃና – ካብ ምሁራት

6. ኢንጅነር ኣሸናፊ ሃይሉ – ካብ ነጋዶ

7. ጋዜጠኛ ፀጋው ታደሰ – ካብ ማሕበር ጋዜጠኛታት ትግራይ ከምዝተመረፁ ተሓቢሩ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.