Fana: At a Speed of Life!

ማዕቐፍ ምትሕብባር ደቡብ – ንደቡብ ንኽጠናኸርን ሓበራዊ ራኢ ንምዕዋትን ኣባል ሃገራት ተዋዲደን ክሰርሓ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ማዕቐፍ ምትሕብባር ደቡብ – ንደቡብ ንኽጠናኸርን ሓበራዊ ራኢ ንምዕዋትን ኣባል ሃገራት ተዋዲደን ክሰርሓ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ጉባኤ ትካል ምትሕብባር ትምህርቲ፤ ፕሬዚዳንት እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይቲ እዋን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢን ደመቀ መኮንን÷ ማዕቐፍ ምትሕብባር ደቡብ – ንደቡብን በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባርን ቁልፊ ጉዳይ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ኣባል ሃገራት ተዋዲደን ክሰርሓ ከምዝግበአን ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ጉባኤ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕሉኡ÷ መስረትቲ ኣባላት ኣብ ኣወፃፅኣ ሽም እቲ ትካል፣ ኣብ ዝምረሐሎም ደምቢታትን ኣሰራርሓታትን ኣመልኪቱ ልዝብ ከምዝተገበረ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.