Fana: At a Speed of Life!

ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ክገብሩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ክገብሩ ኢዮም።

ቤት ዕዮ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ከምዝበሎ፥ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ክሳብ ቀፃሊ ሰሙን ዕለተ ሰሉስ ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዑደት ስራሕ ክገብሩ ኢዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት፥ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕነት ሰላም ክላዘቡ ኢዮም ዝበል ትፅቢት ኣሎ።

ከይዲ ምንጋስ ሽግግር ፍትሒን ተሓታትነትን፣ ምፍታሕ ዕጥቂን መትካል እግሪን ሓዊሱ ኣብቲ ከይዲ ሰላም ዝተርኣዩ ምምሕያሻትን ቀዳምነት ኣብ ዝወሃቦም ዛዕባታትን ከምዝዛተዩ ተገሊፁ።

እቲ ዘተ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ኣመራርሓ ግዚያወቂ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ከምዝካየድ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.