Fana: At a Speed of Life!

ማይ ተበኪሉ እናተብሃለ ዝናፈስ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ በዓል መዚ ማይን ፈሳሲን ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ..)ማይ ተበኪሉ እናተብሃለ ዝናፈስ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ በዓል መዚ ማይን ፈሳሲን ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል መዚ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ሓሙሽተ ማእኸላት መፃረዪ ማይ ብዝገበሮ ምርመራ  ላቦራቶሪ ኩሎም ማእኸላት መፃረዪ ማይ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዘቐመጦ መለክዒ መሰረት ድሕንነቶም ዝሓለዉ ምዃኖም ኣረጋጊፀ ኣለኹ ኢሉ።

ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ናይ ክሎሪን መጠኖም ከምዘይነከየን መጠን ፒኤች. ካብ ሸውዓተ ዘይወረደን ምርግጋፁ እውን ኣብሪሁ።

ዋና መካየዲ ስራሕ እቲ በዓል መዚ ኢንጂነር ዘሪሁን ኣባተ፥ ኣብዚ ሰሙን ምስ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕ ተተሓሒዙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማይ ተበኪሉ ኢዩ ብዝብል ዝናፈስ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሕብረተሰብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝረኽቦ ዘሎ ፅሩይ መስተ ማይ ብመሰረት መለክዒ ውድብ ጥዕና ዓለም ፅሬቱ ዝሓለወ ስለዝኾነ፥ ብዝተለመደ መልክዑ ክጥቀም ከምዝግባእ እቲ በዓል መዚ ኣተሓሳሲቡ።

ብፀጋዬ ንጉስ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.