Fana: At a Speed of Life!

ማይ ግድብ ህዳሰ ዝዓርፈሉ ካልኣይ ዙር 4 ሺሕን 854 ሄክታር ምንጠራ ደኒ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ማይ ዘዓርፈሉ ቦታ ካልኣይ ዙር 4 ሺሕን 854 ሄክታር ምንጠራ ደኒ ከምዝካየድ ኤጀንሲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ቴክኒክን ሞያን ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ኣሽር ኣብዱራሂም፥ ካልኣይ ዙር ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ንምስላጥ ማይ ዝዓርፈሉ 4 ሺሕን 854 ሄክታር ቦታ ከምዝሽፍን ገሊፆም።

መጠን እቲ ማይ ካብ ቀዳማይ ዙር ብኣርባዕተ ዕፅፊ ክበልፅ ከምዝኽእል ኣብሪሆም፡፡

እቲ ኤጀንሲ ምንጠራ ደኒ ንምስላጥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ስምምዕነት ምግባሩ ገሊፆም፡፡

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ልዕሊ ብር 81 ሚሊየን ወፃኢ ከምዝኸውን ኣብሪሆም፡፡

ስራሕቲ እቲ ምንጠራ ደኒ ንምክያድ፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንምዝዛም ከምዝተሃቀነ እውን ኣይተ በሽር ገሊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.