Fana: At a Speed of Life!

ምሕረት ዝተብሃለ ኣቕራቢ ሕክምና ትካል 290 ሺሕ ዶላር ዘውፅኡ ኣፋውሳትን ኣቑሑት ሕክምናን ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምሕረት ዝተብሃለ ኣቕራቢ ሕክምና ትካል 290 ሺሕ ዶላር ዘውፅኡ ኣፋውሳትን ኣቑሑት ሕክምናን ሓገዝ ምግባሩ ኣምባሳደር ኢትጵያ ኣብ ኣሜሪካ ፍፁም ኣረጋ ኣፍሊጦም።

እቲ ትካል፥ ኣፋውስን ናይ ውልቀ ኣቑሑት ሕክምና ሓገዝ ምግባሩ እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።

ዝተገበረ ሓገዝ ኣቑሑት ኣፋውስን ሕክምናን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ተሓከምቲን ሰብ ሞያታት ሕክምናን ከምዝውዕል ተገሊፁ።

ምሕረት ዝተብሃለ ኣቕራቢ መድሓኒት ንትርፊ ዘይተጣየሸ ትካል እንትኸውን፥ ኣብ ድኻ ሃገራት ንዝርከቡ ዜጋታት ካብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝተረፉ ቀረባት ሕክምናን ኣቑሑትን ብምትእኽኻብን ብምፅጋንን ዘከፋፍል ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.