Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ንጀጋኑ ሃርበኛታት ነፃ ሕክምና ንክወሃብ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ንጀጋኑ ሃርበኛታት ነፃ ሕክምና ንክወሃብ ወሲኑ።

እቲ ነፃ ሕክምና ኣብታ ከተማ ኣብ ዘለዋ ትካላት ጥዕና ሙሉእ ብምሉእ ንክወሃብ ከምዝተወሰነ ምክትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣፍሊጠን።

ብተወሳኺ ጀጋኑ ሃርበኛታት ማሕበር ዝሓተቶ መሬት ንክወሃቦ ከምዝተወሰነ ተዛሪበን ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ኢትዮጵያውያን ካብ ጀጋኑ  ሃርበኛታት ክመሃርዎ ዝግባእ ናይ ፀላኢ ናይ ምክፍፋል ሽርሒ ብምስትውዓል ሓድነት ምጥንኻር ከምዝኾነ ገሊፀን።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት መናእሰይ ጭርሖን ፈኸራን ዘቕረቡ እንትኾኑ ናይ ማርችባንድ ትርኢት እውን ቀሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.