Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ 907 ኣባይቲ ንነበርቲ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ 907 ዝተሃነፁን ዝተሓደሱን ኣባይቲ ንነበርቲ ኣመሓላሊፉ።

ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ንናብራ ምቹኣት ዘይነበሩ ብምፍራስ ኣብ ሓፂር እዋን ዝሃነፅናዮምን ዘሐደስናዮምን ኣባይቲ በዓል ትንሳኤ ምኽኒያት ብምግባር እንኳዕ ኣብፀሐኩም እናበልና ንነበርቲ ኣተሓላሊፍና ኢለን።

ብተወሳኺ ሓደሽቲ ህንፀታት ሎሚ መዓልቲ ከምዘጀመራ ገሊፀን።

እቶም ኣባይቲ ዝተሃነፁ ብዙሓት ለባማት ሰብ ሃፍቲ ብምትሕብባር ኢዩ ኢለን።

ፃውዒት ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብምቕባል ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ንዝተዋፅኡ ሰብ ሃፍቲ እታ ከተማ አመስጊነን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.