Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማን ፖሊስን ድሬዳዋ ኣብ ግንባር እናተዋደቑ ንዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ  ፌደራል ድጋፍ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማን ፖሊስን ድሬዳዋ ኣብ ግንባር እናተዋደቑ ንዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ልዕሊ ብር 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ግምት ዘለዎ ሓገዝ ኣበርኪቶም፡፡

ሰራዊት ፖሊስ ፌደራል ካብ ህዝብናን መንግስትናን ዝተውሃቦ ሓደራ ብምቕባል ምንቅስቓስ ሓይልታት ፀረ-ሰላም ንምዕጋት ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ ቤኒሻንጉል ጉምዝ መተከል፣ ካማሺን ካልኦት ከባብታትን ካብኡ ዝፅበ ሓላፍነት ኣብ ምውፃእ ከምዝርከብ ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ጀነራል መላኩ ፋንታ ተዛሪቦም፡፡

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ከድር ጁሃር ብግደኦም÷ “ንሕና እናሃለና ሃገር ኣይትድፈርን ኢሉ ክቡር ሂወቱ ከይሰሰዐ ብጅግንነት ብምቅላስ ግብረ ራዕዲ ጉጅለታት ስዕረት ክጉልበቡ ንዝገበረ ሰራዊት ዓብዪ ክብሪ ይግበኦ” ኢሎም፡፡

ብከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ዝተመርሐ ልኡኽ 45 ሰንጋታት፣ ናይ ምግቢ ኣቑሑት፣ መሐለዊ ፅሬትን ክዳውንትን ሓገዝ ምግባሩን ኣብ እዋን ግዳጅ ጉድኣት ንዝበፅሖም ኣባላት ፖሊስ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ተረኺቦም ምትብበዖም ካብ ፖሊስ ፌደራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.