Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ወገናትን ሕክምናዊ ሓገዝን ዝውዕል 70 ሚልየን ብር ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብድርቂ ንዝተጠቀዑ ወገናት ዝውዕል ደገፍ 50 ሚልየን ብር ሂቡ።

ብተወሳኺ 10 ሚልየን ብር ንሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ብተመሳሳሊ 10 ሚሊየን ብር ንሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ሓገዝ ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ኣብ ርኽክብ እቲ ደገፍ ገንዘብ፥ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተረኺቦም።

ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ፥ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ንምምካት ዝግበር ዘሎ ርብርብ ንኢዶም።

እቲ ፀገም ይጋደድ ብምህላዉ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝገበሮ ሰናይ ተግባር ኩሉ ክስዕቦ ይግባእ ኢሎም።

ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረክ ኣመሃ ብግደኦም፥  ብሰንኪ ድርቂ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ህዝቢ ንምድሓን ምምሕዳር እታ ከተማ ዝገብሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.