Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንክልል ትግራይ ልዕሊ 510 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንክልል ትግራይ ልዕሊ 510 ሚሊየን ብር ደገፍ ብዓይነትን ሰልዲን ገይሩ።
ናብ መቐለ ብምኻድ ደገፍ ዝገበራ ከንቲባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ህዝብን ገበርቲ ሰናይን ብምትሕብባር ልዕሊ 218 ሚሊየን ብጥረ ገንዘብን ዝተፈላለዩ ናውቲታትን ብድምሩ እቲ ምምሕዳር 510 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ ኢለን።
ንተመዛበልቲ ደገፍ ዝኾኑ ኣልባሳትን ምግብን፣ ንትምህርቲን ጥዕናን ዝኾኑ እታዎታትን ንቢሮ ዘገልግሉ ናውቲታትን ደገፍ ከምዝተገበረ ተዛሪበን።
ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብግደኦም፥ ነቲ ዝተገበረ ደገፍ አመስጊኖም።
ብሰንኪ ኩይናት ጉድኣቲ ዘጋጠሞም ከባቢታት ናብ ልምዓት ኣብ ምምላስ ተሓጋጊዝና ክንስርሕ ይግባእ እውን ኢሎም።
ካብዚ ሓሊፉ ብህዝብን ምምሕዳርን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከተማ መቐለ ፍሉይ ቦታ መንደር ሚዘር ደረጅኡ ዝሓለወ ሓደ ኻልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ እምነ ዂርናዕ ተነቢሩ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.