Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ነበርቲን ሰብ ሃፍቲን ዝኣከቦ ደገፍ 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ንሰራዊት ምክልኻል ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ነበርቲን ሰብ ሃፍቲን እታ ከተማ ዝኣከቦ ደገፍ 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ንሰራዊት ምክልኻል ኣረኪቡ።

እቲ ድካፍ ምክትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ንሚኒስትር ምክልኻል  ዶክተር ቀነዓ ያደታ ኣረኪበን።

“ኢትዮጵያ ንምድሓን ክወፍር ኢየ” ብዝብል መሪሕ ቃል መርሃ ግብሪ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝሕወሱ መናእሰይ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ተኻይዱ።

ኣብቲ መደ መደረ ዝገበራ ምክትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ መናእሰይ ሃገር ንምፍራስ ዝሰርሕ ዘሎ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ንምድምሳስ ዓሊሞም ናብ ሰራዊት ንምሕዋስ ምውሳኖም አመስጊነን።

ብኻሊእ መዳይ መናእሰይ ትግራይ እኩይ ተግባር ህወሓት ካብ ምፍፃም ንባዕልቶም ክቑጠቡን ተግባር እቲ ጉጅለ ራዕዲ ንከውግዙን ፃውዒት ኣቕሪበን።

መናእሰይ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምሕዋስ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ንሓንሳብን መወዳእታን ደምሲሶም ከመዝምለሱ እምነተን ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ናይቲ ጁንታ ናይ ውክልና ኲናት ንምምካን ደቂ ህዝቢ ትግራይ ብምምካር ካብቲ ጁንታ ንክንፀሉን ኣብ ጎኒ መላእ ኢትዮጵያ ንክስለፉን ሓቲተን።

ነቶም መናእሰይ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሃርበኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ሓድነት ሃገር ንምሕላው ዘርኣይዎ ቁርፀኝነት ብምንኣድ መሪቖም ሰኒየምዎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.