Fana: At a Speed of Life!

ምምስራት ማሕበር ዲፕሎማሰኛታት ንምኽባር ብሄራዊ ረብሓ ዐዙዝ ግደ ኣለዎ – ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምስራት ማሕበር ዲፕሎማሰኛታት ንምኽባር ብሄራዊ ረብሓ ዐዙዝ ግደ ከምዘለዎ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ገሊፆም።

ንሃገሮም ኣብ ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣብ ዝፈላለዩ ሓላፍነታትን እናገልገሉ ዝነበሩ ነበር ኣምባሳደራት፣ ዲፕሎማሰኛታትን ሰብ ሞያ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ዘካተተ ማሕበር ዲፕሎማሰኛታት ተጣይሹ፡፡

ኣብ እዋን ምጥያሽ እቲ ማሕበር ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ÷ ውሩያት ዲፕሎማሰኛታትን ናይ ሕዚ ወለዶ ሰብ ሞያ ጉዳያት ወፃኢን ዘተኣኻኸበ ማሕበር ምጥያሹ ረብሑኡ ዝዓዘዘ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ማሕበር ኣብ ዓውዲ ርክባት ወፃኢ ኣብ መፅናዕቲን ምርምርን፣ ኣንፈታት ፖሊሲን ብምርኣይ ከምኡ እውን መናእሰይ ብምስልጣን ስግግር ፍልጠት ብምግባር ኣስተዋፅኦ ይገብር ኢሎም።

ምምስራት ማሕበር ዲፕሎማሰኛታት ብዝተወደበ መልክዑ ሞያዊ ኣስተዋፅኦ ንምግባርን ብሄራዊ ረብሓ እታ ሃገር ንምሕላውን ዐዙዝ ግደ ከምዘለዎ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.