Fana: At a Speed of Life!

ምርምራት ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ንዕቤት ኢኮኖሚ ኣስተዋፅኦ ንኸበርክቱ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብ ሃገራዊ ልምዓትን ኢኮኖሚያዊ ምዕባለን ናይ ባዕሊ ኣስተዋፅኦ ንምብርካት ዘኽእሉ ምቹው ሃዋህው ንምፍጣር ተሊሙ እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ቅድሚት ትኹረት ዝግበረሎም ዓውዲታት ኢኮኖሚ ንምሕጋዝን ኣስተዋፅኦ ዘበርክቱ ሓደሽጺ ምርምራትን ንምግባር ዘኽእሎ የፖሊሲ፣ ስትራቴጂ፣ ኣወዳድባ፣ ትግበራን ነባራዊ ኩነታን ዘድሀበ ዳህሳስ መፅናዕቲ ምስ ዩኒቨርሲቲ  ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ።

ምስቲ ዩኒቨርሲቲ ብምትሕብባር ኣብ ምርምር ዘፈር ኢኖቬሽንን ስግግር ቴክኖሎጂን፣ ኣሰራርሓ ምርምር ኢኖቬሽንን ኣተገባባራ ሓገዝ ዝምረሐሉ ዓውዲ ብምፍታሽ ሰነድ ብምስንዳእ ናይ መረጋገፂ ዓውደ መፅናዕቲ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ÷ እቲ ሚኒስቴር እቲ ዓውዲ ንምምራሕ ዝተውሃቡ ልኡኻት ብምፍፃም ሃገር ናብ ምዕባለ ትገብሮ ጉዕዞ ብቴኖሎጂ ንምሕጋዝ ኩለመዳይ ተግባራት እናሳለጠ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ሃገራዊ ፖሊሲታት እቲ ዓውዲ፣ ስትራቴጂታትን መምሒታ መፈፀሚን ብምስንዳእን ልኡኽቶታት እቲ ዓውዲ ምስ ዓለም ለኸ ተሞክሮታት ብምጥዕዓም ንኽምርሑ ዘኽእሉ ፕሮጀክታ ብምሕንፃፅ ናይ ምትሕብባርን ምሕጋዝን ስራሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ምፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።

ምርምራት ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ንዕቤት ኢኮኖሚ ኣስተዋፅኦ ንኸበርክቱ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.