Fana: At a Speed of Life!

“ምስ ሓወይ ፕሬዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታውፅኢታዊ ዘተ ገይረ” ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ኬኒያ ኡሁሩ ኬንያታ ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ ከም ኩሉ ጊዘ ጨ ምስ ሓወይ ፕሬዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታውፅኢታዊ ዘተ ገይረ” ኢሎም።

ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ ክልቲኣዊ ሰላምን ልምዓትን ከምኡውን ቀጣናዊ ዛዕባታት ምልዛቦም  ገሊፆም።

እቲ ዘተ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ ንዝተገበረሎም ሕውነታዊ ኣቀባብላ አመስጊኖም።

ኣብ ኬኒያ ዑደት ኣብ ምግባር ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ብሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ዝተሰናድአ ምርኢት ኣየር ከምዝተዓደሙ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ምርኢት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኬኒያዊያን ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.