Fana: At a Speed of Life!

ምስ ኬንያ ሓደ ዓይነት ራኢ ዘለወን ጎረባብቲ ከም ምዃነን ብሓባር ንምስራሕ ዘለና ቆራፅነት ተጠናኺሩ ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ሓደ ዓይነት ራኢ መፃኢ ዕድልን ዘለወን ጎረባብቲ ከም ምዃነን ምስ ኬንያ ብሓባር ንምስራሕ ዘለና ቆራፅነት ተጠናኺሩ ኣሎ” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መእኽቲ÷ “ሓወይ ፕሬዚዳንት ዊልያም ሩቶ ኣብ ኬንያ ንዝገበሩልና ድሙቕ ኣቀባብላ የመስግን” ኢሎም፡፡

ሎሚ መዓልቲ ስፍሕ ዝበሉ ጉዳያት ዮችን ዘካተተ ዘተ ከምዝገበሩ ገሊፆም፡፡

ዘተኦም ድማ ዝፀንሐ ምትእስሳር ዘጠናኸረ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ቀፃሊ ቁልፊ ዓውዲታት ምትሕብባር ዝፈለየ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

“ሓበራዊ ሓደ ዓይነት ራኢን ዕድልን ዘለወን ጎረባብቲ ሃገራት ከም ምዃነን ብሓባር ንምስራሕ ዘለና ቆራፅነት ተጠናኺሩ ኢዩ” ኢሎም ኣብ መልእኽቶም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.