Fana: At a Speed of Life!

ምስ ፀገም ፀፅታ ተዛሚዱ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ ልዕሊ 1 ሺሕ ሰባት ስልጠና ተሃድሶ ብምውሳድ ናብ ስድረኦም ከምዝተሓወሱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ፀገም ፀፅታ ተዛሚዱ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ 1 ሺሕን 52 ሰባት ስልጠና ተሃድሶ ብምውሳድ ናብ ስድረኦም ከምዝተሓወሱ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ላዕለዋይ መምርሒ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ዘሎ ፀገም ፀፅታ ዝዛመድ 3 ሺሕን 200 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ተዛሪቦም።

ኣብ ቁፅፅር ካብ ዝወዓሉ እቶም 1 ሺሕን 52 ሰባት ጉዳዮም ብስእነት መረዳእታ፣ ዝተዛበዐ ሓበሬታ፣ ምድንጋር፣ ብፍላጥን ዘይፍላጥን ናብቲ ተግባር ዝኣተዉ ብምዃኖም ስልጠና ተሃድሶ ብምውሳድ ናብ ስርደኦም ተሓዊሶም ኢሎም።

ኣብ ካልኣይ ዙር እውን ብተመሳሳሊ 931 ሰባት እቲ ስልጠና ይወስዱ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

317 ተጠርጠርቲ ድማ ምርመራ ይግበረሎም ኣሎ ኢሎም።

304 ተጠርጠርቲ ብደረቕ ገበን ዝሕተቱ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፥ ክሳብ ሐዚ ናብ ቤት ህንፀት ዝኣተዉ 11 ተጠርጠርቲ ጥራሕ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ብፌቨን ቢሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.