Fana: At a Speed of Life!

ምትሕብባር ክሌማዊ ለውጢ ኣሜሪካን ቻይናን ክሕደስ ዝኽእለሉ ዕድል ኣሎ ተባሂሉ

አዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምትሕብባር ክሌማዊ ለውጢ ኣሜሪካን ቻይናን ክሕደስ ዝኽእለሉ ዕድል ከምዘሎ ልኡኽ ክሌማዊ ለውጢ ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ኣፍሊጦም።

ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምንካይ ኣሜሪካ ምስ ቻይና ዘለዋ ምትሕብባር ብምኽላስ እቲ ርክብ ዝሕደሰሉ ዕድል ከምዝህሉ ዝሓበሩ ጆን ኬሪ÷ እቲ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ቻይና ተራኺቦም ከምዝዘተዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየሳ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

ኣብ ምኽክሮም ምልቃቕ ካርቦን ሓዊሱ ቅልውላው ንብረት ኣየር ምፍታሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ጠሚቶም ከምዝተዘራረቡ ሓቢሮም።

ኣብ ቻይና እንትበፅሑ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ሊ ኬ ያንግን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዋንግ ዪን ኣቀባብላ ዝተገበረሎም ጆን ኬሪ÷ ትማሊ ምስ ቻይና መዘነኦም ዢ ዤንሁአ ኣርባዕተ ሰዓት ዝወደአ ልዝብ ገይሮም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዋንግ ዪ ብግደኦም÷ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዙሪያ ክሌማዊ ለውጢ ብሓባር ክሰርሓ ከምዘለወንን ዝግበሩ ስምምዓት ክፍፀሙ ከምዘለዎምን ተዛሪቦም።

ወነንቲ ዓብዪ ኢኮኖሚ ዓለም ዝኾና ኣሜሪካን ቻይናን ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምንካይ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እናገበረኦ ዝነበራ ዝርርብ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ተቛሪፁ ፀኒሑ ትማሊ ክቕፅል ከምዝኸኣለ ኣናዶሉ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.