Fana: At a Speed of Life!

ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዓቕሚታት ኢንዱስትሪ ናብ ስራሕ ብምእታው ጭቡጥ ለውጢ ኣመዝጊቡ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዓቕሚታት ኢንዱስትሪ ናብ ስራሕ ብምእታው ጭቡጥ ለውጢ ከምዘመዝገበ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣብ ዘጀመሩሉ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ በቲ ምንቅስቓስ ኣበሉ ኣብ ዝሓፉ 9 ኣዋርሕ ልዕለ 1 ነጥቢ 9 ቢሊየን ዶላር ዘውፅኡ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ብናይ ውሽጢ ሃገር ምትካእ ተኻኢሉ።

ኢትዮጵያ ንኢንዱስትሪ ምቹው ዝኾነ ዓሚቕ ዓቕሚ ከምዘለዋ ብምሕባር፤ ንኢንዱስትሪ ቀንዲ እታወት ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ሕርሻ ዋና ስለዝኾነ÷ መንግስቲ መፍረያይነት ሕርሻ ከደንፍዑ ዝኸኣሉ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝወገነ ገሊፆም።

ኣብርያታት ስርናይ፣ ቡን፣ ሩዝን ሻሂን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ድማ ከም ኣብነት ኣልዒሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ከም ኢነርጂን ሓይሊ ሰብን ዝበሉ ዓቕሚታት ንመፍረያይነት ኢንዱስትሪ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

ብመንፅር እዚ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ እዞም ዓቕሚታት ናብ ስራሕ ኣብ ምእታው ለውጢ እናመዝገበ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ “ንኣብነት እውን ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ልዕሊ 1 ነጥቢ 9 ቢሊዮን ዶላር ኣተውቲ ፍርያታት ብናይ ውሽጢ ሃገር ምትካእ ተኻሉ ኢዩ” ኢሎም።

ፍርያት ውሽጢ ሃገር ናይ ምጥቃም ባህሊ ምዕባይ ከምዝግባእ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ሚሊኒየም ኣዳራሽ ዝተኸፈተ እቲ ኤክስፖ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንሓሙሽተ መዓልቲታት ዝፀንሕ እንትኸውን፤ 210 ኣፍረይቲ ኩባንያታት ፍርያቶም ኣቕሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.