Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ደመቀ መኮነን ምስ ፕሬዚዳንት ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ደመቀ መኮነን ምስ ፕሬዚዳንት ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ፌሊክስ ሺሼኬዲ ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ምስ እቶም ፕሬዚዳንት ተዛቲዮም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ኬንያ፣ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ምዝታዮም ይዝከር።

ኣብ ፃንሒቶም ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.