Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ዓለም ለኻዊ ጉባዔ ኢኮኖሚ ንምስታፍ ናብ ዳቮስ ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ዓለም ለኻዊ ጉባዔ ኢኮኖሚ ንምስታፍ ናብ ስዊዘርላንድ፣ ዳቮስ ኣምሪሖም።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝምራሑ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተሳለጥ ጉባኤ ኢንቨስትመንት ብሪታኒያ-ኣፍሪካ ዝነበሮም ተሳትፎ ብምዝዛም ኢዮም ናብ ዳቮስ ኣምሪሖም ዘለዉ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት፥ ኣብ ዳቮስ ኣብ ዝሳለጥ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኢኮኖሚ ከምዝሳተፉ ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

እቲ ጉባኤ ትማሊ ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ክሳብ 15 ጥሪ ክፀንሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ዓለም ዝሳተፉ እንትኾኑ፥ ኣብ ክሊ ዓለም ለኻዊ፣ ቀጠናዊን ኢንዱስትሪያላዊን ኣጀንዳታት ዘተ ከምዝገብሩ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.