Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ ምስ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ትሕብብር ልምዓት እንግሊዝ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ትሕብብር ልምዓት እንግሊዝ ኣሎክ ሻርማ ተዛትዮም።

እቲ ዘተ፥ ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ ሕርሳ፣ ለውጢ ኣየርን ሓለዋ ከባቢን ዘድሃበ ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣይተ ደመቀ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብቲ እዋን ዘተ ገሊፆም።

ሚኒስትር ዓለም ለኸ ትሕብብር ልምዓት እንግሊዝ ኣሎክ ሻርማ ብግደኦም፥ ሃገሮም ኢትዮጵያ ንዝጀመረቶ ተግባር ምምሕያሽ ለውጢ ሓገዝ ከምትገብ ገሊፆም።

ብዝተትሓዘ ዜና፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመ ምስ ማኔጅመንት ግፕ ዲያጆ ኣብ ዙርያ ምንቅሰቀቓስ እቲ ኩባኒያ እድሂቦም ዘተ ኣካይዶም።

ኩባኒያ ዲያጆ ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ከፋሊ ግብሪ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ደመቀ፥ እቲ ኩባኒያ ዕውት ኮይኑ ንኽቕፅል መንግስቲ ሓገዙ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ጉባኤ ኢንቨስትመንት ኣፍካ ኣብ እንግሊዝ እናተሳተፈ ይርከብ።

እቲ ዘዝተሳለጠ ዘተ ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ዝተገበረ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.