Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀ/ሚ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ዦ ኢቭ ለድሪዮ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ዦ ኢቭ ለድሪዮ ትማሊ ተዛቲዮም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ኣብቲ መድረኽ ዘተ መህርሂ ሂቦም።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጀመረ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ምብፅሑ ብዝምልከት እውን ዝርዝር መብርሂ ሂቦም።

መንግስቲ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳይ ዝጀመሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ብጥንቃቐ ንምዝዛም ብትኹረት ከምዝስራሕ እውን ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ወፍሪ ንፁሃን ዜጋታት ካብ ዝኸፍአ ሓደጋ ናይ ምሕላውን ምክልኻልን ዕላማ ብምቕማጥ ብሓላፍነት ከምዝፍፅም እውን ተዛሪቦም።

ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህቡ ኣካላት ኣብቲ ቀጠና ዝንቀሳቐስሉ ነፃ ኮሪደር ክፍቲ ናይ ምግባር ስራሕ ብወገን መንግስቲ ከምዝተመቻቸወ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ምስ ዝነብሩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ክሊ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ኣጀንዳ ዘተ ከምዝተጀመረ ኣረዲኦም።

እቲ ዝተጀመረ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከምዝዛዘም ምዝራቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.