Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀ/ሚ ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ተዛቲዮም።

ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽቶ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን፥ ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ፈረንሳይ ቀፂሉ ኣሎ።

ኣይተ ደመቀ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተልኣኸ መልእኽቲ ንፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብፂሖም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ብዝተደለየ ፅሬትን ቅልጣፈን ንኽቕፅል፤ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ክለተ ዓመታት ኣድላዪ ፃዕሪ እናገበረ ምፅንሑ ኣብሪሆም።

ይኹን እምበር ሽፍታ ጉጅ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢን መንግስቲን ተደጋጋሚ ጥፍኣታት እናፈፀመ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ብወገን መንግስቲ እቲ ፀገም ብሰላማዊ መገዲን ብዘተን ንምፍታሕ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ይግበር እምበር፤ እቲ ጉጅለ እኩይ ተግባሩ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም።

ኣብ ከይዲ ኣገዳዲን መሕዘኒን ተግባራት ምፍጣሮም ስዒቡ መንግስቲ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ እናወሰደ ኣብ ናይ መወዳእታ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ብግደኦም፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳዩ ባዕሉ ንምፍታሕ ዝገብሮ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ከይዲ ምኽባር ሕጊ ድሕንነት ንፁሃን ዜጋታት ግቡእ ጥንቃቐ ምግባር ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ርክብ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ካብ ዝበፅሑዎም ብርኪ ምዕራፋት ምትሕብባር ብዘሐሸ መልክዑ ንምጥንኻር መንግስቶም ድሉው ምዃኑ ኢማኑኤል ማክሮን ምርግጋፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.